መደብ መጎዓዚያ ሲያትል (The Seattle Transportation Plan)
አማርኛ • اَلْعَرَبِيَّةُ • 繁体字 • Français • हिन्दी• 日本語 • ភាសាខ្មែរ • 한국어 • ລາວ • Oromiffa • русский язык • af-Soomaali • Español • Tagalog • ภาษาไทย • ትግርኛ • Tiếng việt • украї́нська мо́ва • English
ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል ኣብ'ተን ዝቕጽላ 20 ዓመታት ኣብ ከተማና ምዝውዋር እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ምስሊ ዝህብ እዩ። ንኹሉ ነባራይ ከተማ ሴያትል ዝያዳ ውሑሳት፣ ብማዕርነት ዝቐርቡ፣ ዘተኣማምኑ፣ ቀጻልነት ዘለዎምን ርትዓዊያን ዝኾኑ ኣማራጺታት መጓዓዚያ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ብልሒ ዝተመልኦም ወፊሪታት ክነካይድ ዕላማ ኣለና። ቤት ምኽሪ ከተማ ሴያትል ኣብ ኤፕሪል 23, 2024 ንትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል ብምሉእ ድምጺ ኣጽዲቑዎ።
ሓደ ትልሚ፣ ሓደ ራኢ
ኣብ ሕሉፍ፣ ብእግሪ ምጉዓዝ፣ ሮል ምግባርን ፣ ብብሽክለታ ምንቅስቓስ፣ ትራንዚንትን፣ ጽዕነት ኣቑሑን ዝምልከት ዝተፈላለዩ ትልሚታት ነይሮምና። እዚኦም ሞዳል ትልሚታት ተባሂሎም ይጽውዑ ነይሮም። ሐዚ ድማ፣ ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል (STP) ንኹሎም እዞም ትልሚታት ናብ ሓደ ዓብዪ ራኢ ዝጠምር እዩ።
ንትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል ምስ One Seattle Comprehensive Plan ብሓባር ብምዃን ኢና ኣማዕቢልናዮ። መደብ ሓንቲ ሲያትል (One Seattle plan) ከተማና ኣብ'ተን ዝቕጽላ 20 ዓመታት ብመንጽር መንበሪ ኣባይቲ፣ ዕድላት ስራሕን፣ ወፍሪታትን ከመይ ዝበለ ዕብየት ክተምጽእ ከም ዘለዋ ብዝምልከት መምርሒ ዝህብ እዩ። መጓዓዚያ ድማ ቁልፊ ክፋል ናይ'ዚ ትልሚ እዩ።
ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል ተጠቒምና ነዞም ዝስዕቡ ነገራት ክነካይድ ኢና።
- ኣብ መጻኢ ኣብ መጓዓዚያ ኣብ ኣየኖት መዳያት ምምሕያሻት ክነካይድ ከም ዘለና ክንፈሊ ኢና።
- ነቶም መደባትናን ፕሮጀክትታትናን ምስ'ቲ ትልሚ መጓዓዚያና ኣዛሚድና ነቲ እነምጽኦ ለውጢ ክንግምግም ኢና።
- ኣብ መጻኢ ንጠለባት መጓዓዚያ ብኸመይ ከም እንኸፍል ብዝምልከት ትልሚ ክነውጽእ ኢና።
እዚ ትልሚ ብኸመይ እዩ ማዕቢሉ?
ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል ምሳና ብሓባር ክተዳልዉ ሓቲትናኩም ኔርና። ብኣሻሓት እትቑጸሩ ድማ ነቶም ዘለዉኹም ሓሳባትን ርእይቶታትን ሂብኩምና እዚኦም ድማ ነቲ ትልሚ ብቐጥታ ጸልዮምዎ እዮም። ኣብ ጉዳይ ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል ብኸመይ ብሓባር ከም ዝሰራሕና ብዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ርኸቡ፡
ኣብ'ቲ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ዝወሰደ ነዚ ናይ ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል (STP) ንድፊ ንምድላው ዝተኻየደ ናይ ህዝቢ ርክብ ስርሕቲ፣ ናይ'ቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ መንግስታዊ ትልሚታት ድምጾም ዘይስምዑ ውልቀሰባት ድምጺ ዓው ኢሉ ክስማዕ ንምግባር ጠመተ ጌርና ሰሪሕና ኢና። እዚ ድማ እቶም ጸለምቲ፣ ደቀ ባት፣ ወይ ድማ ክፋላት ጸዓዱ ዘይኮኑ ሰባት ማሕበረሰብ ዝኾኑ፣ ወይ ድማ እቶም ንገዛእ ርእሶም ከም ኣባል LGBTQIA+ ገይሮም ዝቖጽሩ፣ እቶም ኣብ ድኽነት ዝነብሩ ሰባት፣ ናይ ስደተኛታትን እቶም ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘይዛረቡን ማሕበረሰባትን፣ መናእሰይ፣ ዓበይቲ ሰባትም፣ ከምኡድማ እቶም ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ሰባትን ዘጠቓልል እዩ።
እቶም ዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ድማ እነሆ፡
- ምስ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፣ ንኣብነት ኣብ ናይ ሸቐጥ መደብር፣ ቤተ መጻሕፍቲ፣ ናይ ገባራት ዕዳጋ፣ ናይ ማሕበረሰብ ኣኼባታት፣ ጽምብላትን ዝግበአን አገልግሎት ዘይረኽባ መንበሪ ኣከባቢታትን ዝርከቡ ሰባት በቶም ዘካየድናዮም ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሕቲ ኣቢልና ተራኺብና ኢና።
- ምስ Department of Neighborhoods Community Liaisons (CLs) ነቲ ናይ ተሳትፎ ስራሕትና ንምዕባይን ንምስፋሕና ብሓባር ሰሪሕና ኢና።
- ምስ'ቶም ኣብ ማሕበረሰብ መሰረት ዝምርኮሱ ትካላት ርክብ ብምክያድ፣ ን ናይ ምስማዕ ክፍለ ግዜታት፣ ኣኼባታት፣ ምድላዋት፣ ናይ ጎደና ጉዕዞታትን፣ ናይ ሓደ-ን-ሓደ ቃለ መሕተታትን ሓዊስካ ነቶም ዘካየዱዎም ናይ ተሳትፎ ጻዕሪታት ደጊፍና ኢና።
- ኣብ ቀጽሪ ገዛ ዝግበሩ ምልክታት፣ ፖስተራትን፣ ዝተሓተሙ መፋልጢታትን ኣብ መላእ ሴያትል ኣከፋፊልና ኢና።
- ናይ ተሳትፎ ዕድላት ብምክፋልን ከምኡ ድማ ኣብ'ቲ ተለዋዋጢ ዝኾነ ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል ናይ ኦንላይን ናይ ተሳትፎ ማእኸል እዋናዊ ዜናታት ብምፍናው እቲ ማሕበረሰብ ዘድልዩ ሓበሬታ ክረክብ ጌርናዮ ኢና
- እዚኦምን ካልኦትን።
እዞም ዝስዕቡ ድማ ተማሂርና ኣለና፡
ምዕራፍ 1-
ምዕራፍ 1 ኣብ'ቶም ዘለዉኹም ናይ መጓዓዚያ ጠለባትን ቀዳምነታት ትህቡዎም ነገራትን ጠመተ ዝገበረ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ስርዓት መጓዓዚያ ሴያትል ዘለና ናይ ሓባር ራኢ ኣብ ምምዕባል ዝሓገዘና እዩ ነይሩ። ኣብ'ቲ ናይ ምዕራፍ 1 ናይ ተሳትፎ ጸብጻብና እቲ ካብ ወርሒ ሜይ ክሳብ ኦገስት 2022 ዝተኻየደ ተሳትፎ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ዝህብ ኮይኑ፣ ነቲ ትልሚ ምስ'ቶም ማሕበረሰባት ሴያትል ብሓባር ኮይንና ኣብ ምድላው ዝሕግዙና ቁልፊ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ።
ምዕራፍ 2-
ኣብ ምዕራፍ 2፣ ነቲ ኣብ ምዕራፍ 1 ካባኹም ዝረኽብናዮ ሓሳባት ኣካፊልናን ነቲ ካባኹም ዝረኸብናዮ ሓሳባት ድማ ነቲ ናይ'ቲ ትልሚ ራኢ፣ ሽቶታትን፣ ዕላማታትን ብኸመይ ይመርሖ ከም ዘሎ ኣርኢናኩም ኢና። ካብ'ዚ ብተወሳኺ ኣብ መጻኢ በኸመይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክትዛወሩ ከም እትደልዩን፣ ከመይ ዝበሉ ስጉምቲታት ክንወስድ ከም እትደልዩናን፣ ኣብ'ቶም ንድፊታት ካርታ መጓዓዚያና ድማ እንታይ ክትርእዩ ከም እትደልዩን ሓቲትናኩም ኔርና።
እቲ ናይ ምዕራፍ 2 ናይ ተሳትፎ መጠቓለሊ ጸብጻብና ድማ ብዛዕባ እቲ ካብ ሴፕቴምበር 2022 ክሳብ ፌብሩዋሪ 2023 ዝተኻየደ ተሳትፎ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ። እቲ ካባኹም ዝረኽብናዮ ርእይቶ ነቲ ናይ ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል (STP) ንድፊ ንምምዕባልን ነቲ ናይ መርበባት መስመራት መጓዓዚያ ካርታ ዝያዳ ኣብ ምጽራይን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ።
ምዕራፍ 3-
ኣብ ፎል (fall) 2023፣ ኣብ'ቲ ዝቐረበ ንድፊ መደብ መጓዕዚያ ሲያትል ህዝባዊ ርእይቶ ክወሃብ ሓቲትና ኔርና።
እዚ ድማ ብደረጃ ከተማ ዝተዳለወ ናይ ኦንላይን ተሳትፎ፣ ሰባት ብኣካል ዝሳተፉሎም ምድላዋት ብምግባር፣ ምስ ህዝባዊ ርክባት ክፍሊ ኣካባቢ ሲያትልብሓባር ብምዃን ኣብ'ዞም ዝስዕቡ ማሕበረሰባት ጠመተ ዝገብር ህዝባዊ ርክብ ምስላጥን ዘጠቓልል እዩ፣ BIPOC (ጸለምቲ፣ ደቀባትን ካልኦት ሕብሪ ዘለዎም ሰባትን)፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት፣ ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን፣ ዕድመኦም ዝደፍአ ዓበይቲ ሰባት፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ እቶም ስእነት ገዛ ዘለዎምን ምስ ስእነት ገዛ ዝተሓሓዝ ስክፍታ ዘለዎም ሰባትን፣ ከምኡድማ እቶም ምስ ኣካላዊ ስንክልና ዝነብሩ ሰባትን።
ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ መጠቓለሊ ተሳትፎ ምዕራፍ 3 ርኣዩ
ሽቶታትና
ትልሚ መጓዓዚያ ሴያትል (STP) ሽዱሽተ ሽቶታት ኣለዉዎ። ሕድሕድ ሽቶ ዕላማና ንምህራም ዝፈጸመሉ ስትራቴጂን ስጉምቲታትን ኣለዉዎ።
ውሑስነት
ምስ ውሑስነት ምምራሕ
ኣብ ከተማ ሴያትል ዝርከቡ ተጓዓዝቲ ውሑሳት ክኾኑ ቀዳምነት እንህቦ ጉዳይ እዩ ሽቶና ከበድቲ መጉዳእቲታት ወይ ንሞት ዘብቅዑ ሓደጋታት መኪና ከየጋጥሙ ምግባር እዩ እቶም ቁልፊ ዝበሃሉ ስጉምቲታ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ እዮም፡
- ጎደናታትና ዝያዳ ውሑሳት ክኾኑ ንምግባር ናይ ተሽከርከርቲ ናህሪ ንቕንስ።
- ኣብ'ቶም ከበድቲ ሓደጋታት ዘጋጥሙሎም ወይ ከጋጥሙ ዝኽእሉሎም ቦታታት ናይ ውሑስነት ወፍሪታት ኣብ ምግባር ጠመተ ምግባር።
ምዕሩይነት
ምዕሩይነት መጓዓዚያ ማእከል ኢዩ
ነቶም ምስ መጓዓዝያ ዝተኣሳሰሩ ዘይምዕሩይነታት ንምፍታሕ ምስቲ ሕብረተሰብ ንሰርሕ። እቶም ቁልፊ ዝበሃሉ ስጉምቲታ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ እዮም፡
- ድምጺ ናይ እቶም ጸዓዱ ዘይኮኑ ማሕበረሰባትን ትሕቲ መጠን ውክልና ዘለዎም ጉጅለታትን ኣብ መስርሕ ምድላው ትልሚን ውሳነ ምውሳንን ማእከል ንገብር።
- ነቶም ዝተጎድኡ ማሕበረሰባት ዝግበር ወፍሪ ቀዳምነት ብምሃብ ጸገም ዘይምዕሩይነት ንፈትሕ።
ቀጻልነት
ስጉምቲ ከባቢ ኣየር
ን ለውጢ ከባቢ ኣየር ብምህዞን ብመሰረት ፍትሒ ከባቢ ኣየርን ኢና መልሲ ንህበሉ። እቶም ቁልፊ ዝበሃሉ ስጉምቲታ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ እዮም፡
- ጽሩይን፣ ዘላቕን ናይ ጉዕዞ ኣማራጺታት ብምስፋሕ ጽሬት ኣየርን ጥዕናን ከባቢታት መንበሪ ነመሓይሽ።
- ነቲ ዝለዋወጥ ክሊማ ብዝሓሸ መገዲ ንኽንዋጽኣሉ ገጸ-ምድርን ኣእዋምን ዘለዎ ሓምላይ ጐደናታት ከተማ ምግባር።
ክእለት ምንቅስቓስን ቁጠባዊ ጥቕሚን
ሰባትን ሸቐጣትን ክራኸቡ ምግባር
ሰባትን ኣቑሑትን ናብቲ ክኸዱሉ ዝግባእ ቦታ ንኽበጽሑ ንምሕጋዝ ዘተኣማምንን ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝቐርቡን ናይ መጓዓዚያ ኣማራጺታት ነቕርብ። እቶም ቁልፊ ዝበሃሉ ስጉምቲታ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ እዮም፡
- ስሉጣት ዝኾኑ ናይ መጓዓዚያ መራኸቢታት ንፈጥር
- ብፍላይ ነቶም ሓጸርቲ ጉዕዞታት፣ ብእግሪ፡ ብሽክለታን ብ ሮለርን ዝግበሩ ጉዕዞታት ዝያዳ ምቹኣትን ባህ ዘብሉን ክኾኑ ንገብሮም።
ምቹዊነት ናብራ
ንሰባትን ነቶም እንፈትዎም ቦታታትን ዝኾኑ ጎደናታት
ጎደናታት ናይ ከተማ ግዜ ንምሕላፍን ንምጽዋትን ዝዕድሙ ክኾኑ ብምግባር መሊስና ነመዓራርዮም። እቶም ቁልፊ ዝበሃሉ ስጉምቲታ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ እዮም፡
- ንሰባት ቀዳምነት ንምሃብን ጽቡቕ ኩነታት ምብጻሕ ኣቑሑን ምንቅስቓስን ዘሳልጡን ግዜ ክተሕልፈሎም ባህ ዘብሉን ቦታታት ንምፍጣር ብዘኽእል መልክዑ ናይ ጎደናታት ክፉታታት ቦታታት ቦታ ክቕይሩ ምግባር።
- ተቐባሊ ጋሻን ናይ ምንቅስቓስ ማእኸላትን ንፈጥር።
ጽገናን ምምዕባልን
ስራሕ ዝሰርሑ ጎደናታት፣ ሎሚ ይኹን ኣብ መጻኢ
ናይ'ዛ ኸተማ ናይ መጓዓዚያ ትሕተ ቕርጺ ምምሕያሽን ንቐጻሊ ድልዊ ክኸውን ንገብር እቶም ቁልፊ ዝበሃሉ ስጉምቲታ ነዞም ዝስዕቡ ዘጠቓልሉ እዮም፡
- ጎደናታትና፣ ናይ ኣጋር መንገዲታትናን፣ ድልድላትናን ነቶም ዛጊድ ዝተተለሙ ናይ ውሑስነትን ናይ መርበብ ምምሕያሻትን ሓዊስካ ምጽጋን።
- ነቲ ኣብ መንጎ መንበሪ ከባቢታት ዘሎ ኣብ ጽሬት ጎደናታት፣ ናይ ኣጋር መንገዲታት፣ ህዝባዊ ቦታታትን ድልድላትን ዘሎ ፍልልይ ምቕናስ።
ባእታታት ትልሚ
መደብ መጉዓዝያ ሲያትል (STP) ንዝተፈላለዩ ክፋላት ስርዓተ መጓዓዝያና ዝምልከት ትልሚ ዝሓዙ ሸሞንተ ተወሰኽቲ ምዕራፋት ወይ ባእታታት ዘጠቓልል እዩ። ከም ኣካል እቶም ስርዓት መጓዓዚያና ብሓባር ክሰርሕ ናይ ምግባር ሽቶታት መደብ መጉዓዝያ ሲያትል (STP) ና፣ እቶም ሸሞንተ ባእታታት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጠቓቕማታት ጎደናታትና ብኸመይ ትልሚ ክነዳልውን ክንወሃሃድን ምዃንና ብዝምልከት ዝርዝር ርእይቶ ዝህቡ እዮም፣ እዚ ድማ ንትራንዚት፣ ብሽክለታታት፣ እግረኛታት፣ ከምኡ’ውን ጽዕነት፣ ህዝባዊ ጎደናታትን ህዝባዊ ቦታታትን፣ ተሽከርከርቲ፣ መደያይቦ/ከርብትታት፣ ከምኡ’ውን ሓደሽቲን ኣብ ምምዕባል ዝርከቡ ናይ መንቀሳቐሲ ኣምራጺታት ዝሓውስ እዩ።
ኣብ ሕድሕድ ባእታ ብኸመይ ጠመተ ሂብና ጻዕሪታት ከም እንገብር ብዝምልከት ብኸመይ ትልሚ ከምንገብር እንሆ፡
ባእታ ትራንዚት
ሰባት መኪና ክውንኑ እንከየድለዮም ናብ'ቲ ክኸዱ ዝደልዩዎ ቦታ ክበጽሑ ክነበረታትዖም ንደሊ። ትራንዚት ትሑት ዋጋ ዘለዎን ዘላቒ ዝኾነን ኣማራጺ መጓዓዚያ እዩ።
ንባእታ ትራንዚት ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ናይ ክፍሊ መጉዓዝያ ሲያትል (SDOT) ተደጋገምቲ ናይ ኣገልግሎት ትራንዚት መርበብ ደረጃታት ንምቕራብ ምስ ኪንግ ካውንቲ ሜትሮ ብሓባር ምስራሕ።
- ኩሉ ግዜ ሙሉእ መዓልቲ ዝሰርሕን ዘተኣማምንን ናይ ኣውቶቡስ መርበብ መስመር መጓዓዚያ ኣብ ምስራሕ ምትኳር።
- ናይ ማሕበረሰብን ናይ ምንቅስቕስን ማእኸላት ምፍጣርን ምምሕያሽን።
- እቶም ዛጊድ ዘለዉን ኣብ መጻኢ ዝህልዉን ናይ ቀሊል ባቡር መደበራት ዝሓሸ ተበጻሕነት ክህልዎም ዘኽእል ትልሚ ምውጻእ።
- ኣብ መንጎ ከባቢታትን መንበሪን ካልኦት ቦታታትን ካብ ምብራቕ-ምዕራብ ዝግበር ጉዕዞ ምምሕያሽ።
ባእታ ጽዕነትን ናይ ከተማ ሸቐጣትን
ዘተኣማምንን ውሑስን ዝኾነ ናይ ጽዕነት ምንቅስቓስ ክህሉ ብምግባርን ምስ'ዚ ድማ ነቶም ኣብ ከባቢታት መንበሪን ከባቢያዊ ንግዳዊ ትካላትን ዝህሉ ጽልዋ ብምቁጽጻር ኣቢልና ነቲ ከባቢያዊ ቑጠባ ክንድግፎ ንደሊ።
ንባእታ ጽዕነትን ናይ ከተማ ሸቐጣትን ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ምስ መሻርኽቲ ጽዕነትን ባቡርን ብሓባር ብምስራሕ ኣብ ማኑፋክቸሪንግን ኢንዱስትርያዊ ማእከላትን (MICs) ዝሓሸ ትሕተ ቅርጺ መጓዓዝያ ዝምልከት ትልሚ ንምድላውን ንምህናጽን ምስራሕ።
- ኣብ መስመራት ምብራቕ-ምዕራብ ትኹረት ብምግባር፣ ሰባትን ኣቑሑትን ናብ ወሰንቲ ቦታታት ብቐሊሉ ክግዕዙ ከም ዝኽእሉ ምርግጋጽ።
- ፍሉያት ናይ ጽዕነትን ናይ ኣውቶቡሳትን መስመራት መጓዓዚያ ምጥቃም
- ከም ናይ ለይቲ ኣገልግሎት ትራንዚትን ግቡእ ብርሃን ዘለዎ ናይ ለይቲ ዓበይቲ መካይን ጠጠው መበሊን ዝበሉ ሜላታት ተጠቒምካ እቶም BIPOC፣ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም፣ ዝተፈናቐሉ ሰራሕተኛታትን፣ ብማእኸላት ስራሕን MICs ኣቢሎም ውሑስን ዘተኣማምንን ተበጻሕነት ክህልዎም ደገፍ ምግባር።
- እቶም ገናሕቲ መኪና ናይ መኪና ጠጠው መበሊ ኣብ ምእላሽ ዘጥፍኡዎ ግዜ ንምቕናስ፣ ነተን ናይ ንግዲ ተሽከርከርቲ ዝኾኑ ተወሰኽቲ ናይ ኣቑሑ መጽዓኒ ቦታታት ምህናጽ።
ናይ ብሽክለታን ናይ ኤሌክትሮኒካዊ መንቀሳቐሲን ባእታታት
ሴያትል ኩሉ ሰብ ብሽክለታን ከም ኢ-ስኩተር ዝበሉ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ መንቀሳቐሲታት ከም ኣካል ዕለታዊ ተግባሩ ክጥቀም ዝኽእለላ ከተማ ክትከውን እዩ ሓሳብና።
ን ባእታ ብሽክለታን ኤሌክትሮኒካዊ መንቀሳቐሲታትን ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ዕድመ ወይ ኩነታት ምንቅስቓስ ብዘየገድስ፣ ናይ ኩሉ ሰብ ድልየት ንምምላእ ብዘኽእል መልክዑ ነቲ ናይ ብሽክለታ መርበብ ክሰፍሕ ምግባር።
- ሕድሕድ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ውሑስ ዝኾነ ናይ ብሽክለታ መስመር መጓዓዚያ ከም ዝህልዎ ምግባር።
- እቶም ብእግሮም፣ ብሽክለታ፣ ወይ ናይ መንቀሳቐሲ መሳርሒታት ተጠቒሞም ዝጓዓዙ ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ምሕጋዝ።
- ንጡፍ መጓዓዚያ ንምድንፋዕ ብዘኽእል መልክዑ ነቶም ብ BIPOC ዝምርሑ ትካላት ምሕጋዝ።
- ኣብ ማሕበርሰባትን ኣብ ማእኸላት መጓዓዚያን ጠመተ ብምግባር፣ ንብሽክለታታት፣ ስኩተራትን፣ ናይ ኤሌክትሮኒካዊ መንቀሳቐሲ መሳርሒታትን፣ ዝኸውን ብደረጃ ኸተማ ዝትግበር ናይ ጠጠው መበሊ ፕሮግራም ምፍጣር።
- ንከም ናይ ካርጎ ብሽክለታታት፣ ኤሌክትሮኒካዊ ስኩተራትን፣ ከምኡድማ ኣናእሽቲ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲን ዝበሉ ሓደሽቲ ናይ መንቀሳቐሲ መሳርሒታት ምትእንጋድ ክኽእሉ ጌርካ ጎደናታት ምትዕርራይ።
ባእታ ኣጋር
ሰባት ብእግሮም ብቐሊሉ ክንቀሳቐሱላ ትኽእል ከተማ ጥዕና፣ ስምዒት ማሕበረሰብ፣ ከባቢ ኣየርናን፣ ነቲ ናይ ከባቢና ቁጠባን ክተመሓይሽ ትኽእል እያ።
ን ባእታ ኣጋራት ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ድሕነት ናይ እግረኛታት መንገዲ፣ ናይ ኣጋር መገዲታትን መደያይቦን፣ ከምኡድማ ናይ ሓባር ጎደናታት ምውሳኽን ምምሕያሽን።
- ተወሰኽቲ ናይ እጋር መሰጋገሪታት ክህልዉ ምግባርን እቶም ዛጊድ ዘለዉ ድማ ነቶም መንገዲ ብእግሮም ዝሳገሩ ሰባት ውሑስ ክኾኑ ብዝገብር ኣገባብ ክመሓየሹ ምግባር።
- ዝያዳ ናይ ወሰን መንገዲ መደያይቦ/ከርብ ራምፕ፣ ተበጻሕቲ ምልክታት፣ ናይ መኪና ጠጠው መበሊን፣ ናይ ትራንዚት ጣብያታትን ክህልዉ ብምግባር ሴያትል ዝያዳ ተበጻሒት ክትከውን ምግባር።
- ነቶም ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ወነንቲ ንብረት ዝሕግዝ ብሓባር ገንዘብ ኣዋጺእካ ዝካየድ ናይ ኣጋር መንገዲ ጽገና ምግባር።
ባእታ ጎደናታት ሰባትን ህዝባዊ ቦታታትን
ጎደናታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምቅስቓስ ጥራሕ ኣይኮኑን ዘድልዩ፣ እንታይ ደኣ ሰባት ዝሕጎሱሎምን ምብጻሕ ዘካዩዱሎምን ቦታታት ክኾኑ ኣለዎም። ራኢና ብጽቡቕ ኣገባብ ዝተሰርሑ ጎደናታትን ህዝባዊ ቦታታትን ማሕበረሰብና ክድንፍዕ ክግበሩ ምኽኣል እዩ።
ን ጎደናታት ሰባትን ህዝባዊ ቦታታትን ባእታ ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ኣብ'ቶም ዝግበኦም ኣገልግሎት ዘይረኸቡ ቦታታት ጠመተ ብምግባር፣ ጎደናታት ህዝቢን፣ ህዝባዊ ቦታታትን ንምፍጣር ዘኽእሉ ትልሚታት ንምድላው ምስ'ቲ ማሕበረሰብ ምስራሕ።
- ጽሩይ ኣየርን ውሑስ ጎደናታትን ትሑት ልቀት ዘለዎም ከባቢታት ንምምዕባል ምስ ማሕበረሰባት ብምትሕብባር ምስራሕ።
- ምስ'ቶም ማሕበረሰባዊን ክልላዊን መሻርኽትና ብሓባር ብምስራሕ ነቲ ናይ ኣጋራት ቦታ መአለሺ ፕሮግራምና ምስፋሕ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ጣብያታት ትራንዚት።
- ኣብ መላእ ከተማ ዘሎ ሽፋን ተኽሊታት ንምዕባይ ኣብ'ቶም ብታሪኽ ትሑት ወፍሪ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ተኽሊታት ምትካልን ክንክን ቀዳምነት ምሃብን።
ባእታ ተሽከርካሪ
ናይ'ቶም ብተሽከርከርቲ ዝጓዓዙን፡ ከምኡ ድማ ካብ ተሽከርካሪ ወጻኢ ምስ'ቶም መኪና ዝገንሑ ሰባት ጽርግያ ዝካፈሉ ሰባት ውሑስነት ከነመሓይሽን ምስ'ዚ ድማ ነቲ ብእግሪ፡ ብሽክለታን ፣ብሮለርን ዝግበር ጉዕዞ ከነተባብዕን ንደሊ።
ንባእታ ተሽከርካሪ ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ዘላቒ መጓዓዚያ ዘድንፉዑ ናይ ውሑስነትን ካልኦት ምምሕያሻትን ጎና ጎኒ ናይ ጽገና ስራሕቲ ብምክያድ ናይ'ዛ ኽተማ ጎደናታት ዘመናዊ ክኾኑ ምግባር።
- ነቶም ብእግሮም፣ ብብሽከላታ፣ ሮል ብምግባርን፣ ከምኡ ድማ ህዝባዊ ትራንዚት ዝጥቀሙ ሰባት ደረጃ ምቹዊነት ንምዕባይን ተሽከርከርቲ ድማ ስሉጥ ብዝኾነ ኣገባብ ክንቀሳቐሳ ንምግባርን ብዘኽእል መልክዑ ቦታታት ጎደናታትን ናይ ወሰን መንገዲ ከርብታትን ምትዕርራይ።
- ክሳብ 2030 ናብ 100% ዜሮ -ልቀት ካርበን ዘለዎ ፍሰተ ተሽከርከርቲ ዘለዋ ከተማ ክትኮን ምግባር።
- ውሑስ ኣገናንሓ መኪና ዘበረታትዑን ምግዳድ ዝቕንሱን ጎደናታት ምትላምጽ።
- ኣብ ምንካይ ብሕታዊ ምዝዋር፣ ኣብ ምጉዳል ርሕቀት ጉዕዞ ተሽከርከርቲ፣ ከምኡ’ውን ጥዑይን ዘላቕን ጉዕዞ ኣብ ምውሳኽ ብምትኳር ንፕሮጀክትታት ጎደናታት እንግምገመሉ ኣገባብ ምምሕያሽ።
ባእታ ሓድሽን ኣብ ምምጻእ ዘሎን ኣማራጺ መጓዓዚያ
ንጉዕዞ ውሑስ፣ ቀሊልን፣ ዘላቕን ንምግባር፣ ነቶም ከም ኣብ ጠለብ ዝምርኮስ ትራንዚት፣ ናይ ኤሌክትሪክ-ብሽክለታ፣ ናይ ሓባር ስኩተር፣ ከምኡ’ውን ብኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲን ዝበሉ ሓደስቲ ናይ መገሻ ኣማራጺታት ንድግፍ።
ነቶም ሓደሽትን ኣብ ምምጻእ ዝርከቡን ኣማራጺታት መጓዓዚያ ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ሓደስቲ ናይ መጓዓዝያ ቴክኖሎጂታት ከም ድሕነት፣ ፍትሓውነትን፣ ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዝወሃብ ምላሽን ዝኣመሰሉ ማሕበረሰባዊ ክብርታት ከምዘማልኡ ምርግጋጽ።
- ዋሕዚ ጉዕዞ ንምምሕዳር፣ ንህዝቢ ሓበሬታ ንምሃብን፣ ከምኡድማ ስሉጥ ጉዕዞ ንምድንፋዕን፣ ዳታ/ሓበሬታ ምጥቃም።
- ንውሕስነት ቀዳምነት ብምሃብ፣ ነተን ዝተኣሳሰራን ባዕለን ዝዝውራን መካይን ዝምልከት ፖሊሲታት ምምዕባል።
- ቻርጅ መግበሪ ጣብያታትን መተባብዒታትን ብምቕራብ ናብ ብሓባር ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ናይ ኤሌክትሪክ መንቀሳቕሲን ናይ ጽዕነት ተሽከርከርትን ዝካየድ ስግግር ምድንፋዕ።
- ብፍላይ ምስ ትራንዚት ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን፣ ምትእስሳር ጉዕዞ ስሉጥ ክኾን ምግባር።
ባእታ ምሕደራ ናይ ወሰን መገዲ መደያይቦ/ከርብ
ናይ ወሰን መገዲ መደያይቦ/ከርብ ብዙሕ ጥቕሚ ዝህብ ጻዕቂ ተጎዓዝቲ ዘተኣናግድ ህዝባዊ ቦታ ከም ዝኾነ ኣፍልጦ ንህብ ኢና። ኣብ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ጠለባት ቀዳምነት ኣዋህባን ሚዛን ኣተሓላልዋን ብዝምልከት ሓደሽቲ መንገዲታት ኣብ ምጥቃም ኣብ ምስራሕ ንርከብ።
ንምሕደራ ናይ ወሰን መንገዲ መደያይቦ/ከርብ ብዝምልከት ዘለዉና ሽቶታት፡
- ናይ ወሰን መንገዲ መደያይቦ/ከርብ ከም ምንቅስቓስ፣ ተበጻሕነት ናብ ሰባትን ንግዳዊ ትካላትን፣ ከምኡ ድማ ናይ መካይን ጠጠው መበሊ ቦታን ዝበሉ ወሰንቲ መስርሓት ዝደግፍ ከም ዝኾነ ኣፍልጦ ምሃብ።
- ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣየኖት ድሌታትን ኣጠቓቕማታትን ቀዳምነት ከም ዝወሃቦም ዝውስኑሎም መንገድታት ምምዕባል።
- ንዘላቒ ናይ ጉዕዞ ኣማራጺታትን ኣብ ልዕሊ ናይ ብሕቲ መኽዘን መካይን ዝካየድ ናይ ኣቑሑን ኣገልግሎታትን ኣቀራርባ ንምድጋፍ ብዘኽእል መልክዑ ንኣጠቓቕማታት ከርብ ቀዳምነት ምሃብ።
- ነቶም ኣብ ጎደናታት ዘለዉ ዝኽፈለሎም ናይ መካይን ጠጠው መበሊ ቦታታት ምስፋሕን ብትሑት ዋጋን ውሑድ ብኽለት ኣየርን ዝካየዱ ናይ ጉዕዞ ኣማራጺታት ንምድንፋዕ ክፍሊታት ምውሳኽ።
- ከም ከርብታት፣ ናይ ጽዕነት ቦታታትን፣ ናይ ብሽክለታ/ስኩተር ጠጠው መበሊ ቦታታትን ዝበሉ ዝድህሰሱ ሃብቲታት ሓበሬታ/ ቁጽሪ ብዝምልከት እዋናዊ መረዳእታ ምሓዝ።
እንታይ እዩ እቲ ቀጺሉ ዝካየድ?
ኣብ 2025፣ ፈላማይ ትልሚ ኣፈፃፅማና ክነዳልው ኢና። እዚ ትልሚ እዚ ኣብ'ተን ዝቕጽላ ሒደት ዓመታት እንሰርሖም ስራሕቲ ነቲ ናብቲ ናይ ሓባር ራእይን ዕላማናን STP ዝኸይድ ምዕባለ ብኸመይ ከም ዝድግፍ ዘርኢ እዩ። ነቲ ትልሚ ኣፈፃፅማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ከነሐድሶ ኢና።
STP ክፋል 1
STP ክፋል 2
- STP ክፋል 2 - መእተዊን ውህደት መርበባትን [In English]
- STP ክፋል 2 - ባእታ ትራንዚት [In English]
- STP ክፋል 2 - ባእታ ምንቅስቓስ ጽዕነትን ሸቐጣት ከተማን [In English]
- STP Part 2 - ባእታ ብሽክለታን ናይ ኤሌክትሮኒካዊ መንቀሳቐሲን [In English]
- STP ክፋል 2 - ባእታ ኣጋራት [In English]
- STP ክፋል 2 -ባእታ ጎደናታት ሰባትን ህዝባዊ ቦታታትን [In English]
- STP ክፋል 2 - ባእታ ተሽከርካሪ [In English]
- STP ክፋል 2 - ባእታ ምሕደራ ናይ ወሰን መንገዲ መደያይቦ/ከርብ [In English]
- STP ክፋል 2 - ባእታ ሓደሽቲን ኣብ ምምጻእ ዝርከቡን ኣማራጽቲ መጓዓዚያታት [In English]
- STP ክፋል 2 - ጥማር ኩሎም ክፋላት - ባእታታት ናይ'ቲ ዝተዳለወ ትልሚ ቴክኒካዊ ጸብጻብ [In English] (ዓቢ PDF)